Fana: At a Speed of Life!

መቐለ ሓዊሱ 27 ከተማታት ዳግም ኣገልግሎት ቴሌኮም ረኺበን

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐለ ሓዊሱ 27 ከተማታት ኣገልግሎት ቴሌኮም ከምዝረኸባ ዋና ፈፃሚት ስራሕ ኢትዮ-ቴሌኮም ፍሬህይወት ታምሩ ገሊፀን።
እተን ዋና ፈፃሚት ስራሕ÷ ብምኽንያት ኲናት ጉድኣት ዝበፅሖ 981 ኪ.ሜ ፅገና ፋይበር ሪጅን ሰሜን ኢትዮ ቴሌኮም ከምዝተሳለጠ ኣብሪሀን።
ብምኽንያት ኲናት ተቛሪፁ ዝፀንሐ ኣገልግሎት ስልኪ እውን ሎሚ መዓልቲ ኣብ መቐለ ዕዉት ፃውዒት ስልኪ ምግባር ከምዝተኸኣለ ተዛሪበን።
ኣገልግሎት ቴሌኮም ዳግም ምጅማሩ ስዒቡ ድማ÷ 61 ጨንፈራት ባንኪ ናብ ስራሕ ከምዝኣተዋ ገሊፀን።

ብምንይችል ኣዘዘው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.