Fana: At a Speed of Life!

1ይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 21 ታሕሳስ ጀሚሩ ክካየድ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ስሩዕ ጉባኤ ሊግ መናእሰይ ፓርቲ ብልፅግና ካብ 21 ክሳብ 25 ታሕሳስ 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ከተማ ኣዳማ ክካየድ ኢዩ።

ንሓሙሽተ መዓልቲታት ዝፀንሕ እቲ ጉባኤ÷ “ንኢትዮጵያን ኣፍሪካን ምዕባለ ዝተግህ መንእሰይ” ብዝብል መሪሕ ሓሳብ ኢዩ ክካየድ፡፡

ፕሬዚዳንት እቲ ሊግ ኣስፋው ተክሌ ኣብ ዝሃቡዎ መግለፂ÷ እቲ ጉባኤ ዝተሰዋለጡ ተግባራት ከምዝግምግምን ጉዕዞ ቀፀልቲ ዓመታት ሓዊሱ መመሓዳሪ ደምቢ እቲ ሊግ ምምሕያሽን ምፅዳቕን ኣድሂቡ ክዝቲ ኢዩ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ሰነድ መንቅሒ መናእሰይ ምፅዳቕ፣ ምምራፅ ኮሚቴ ፈፃሚ ስራሕ፣ ፕሬዚዳንትን ካልኦት ኣካላትን ከም ዛዕባ ዝተትሓዙ ጉዳያት ኢዮም፡፡

ብሳሙኤል ወርቃየሁ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.