Fana: At a Speed of Life!

ናብ ከተማ ሽረ ነዳዲ ይጓዓዝ ኣሎ – በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን

ኣዲስ ኣበባ፣ 17 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ከተማ ሽረ ነዳዲ እናተጓዓዓዘ ምዃኑ በዓል መዚ ነዳዲን ኢነርጂን ኣፍሊጡ።

ዳይሬክተር ቀረብ ነዳዲ፣ ሎጂስቲክስን ክትትልን እቲ በዓል መዚ ኣይተ ፈቃዱ ሹመት ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ጎንፂ ኣብ ዝነበሮም ከባቢታት ፅገነኦም ዝዛዘሙን ፍርያት ንዝሓተቱን መዕደሊ ነዳዲ ንምቕራብ ብፍሉይ ትኹረት እናተሰርሐ ይርከብ፡፡

ብምዃኑ ብሰለስተ ሚኒስትር ዲኤታታት ዝተመርሐ ጉጅለ ብጎንደር-ደባርቅ-ሊማሊሞ-ማይፀብሪ – ሽረ፤ ከምኡ እውን ብደሴ- ወልዲያ- ሃራ መግለሲ – ቆቦ- ኣላማጣ- ኮረምን ብመስመር ኣብዓላን ኩነታት መከፋፈልቲ ነዳዲን ነዳዲ ንምቕራብ ኣብ ዝከኣለሉ ኩነታትን ትዕዝብቲ ምግባሮም ገሊፆም።

ድሕሪ ትዕዝብቲ እቶም ጉጅለታት ምስ ሰብ ዋና መከፋፈልቲ ነዳዲ ብህፁፅ ዝፅገኑሉ ኩነታት ኣመልኪቱ ብዝተገበረ ተኸታታሊ ዘተ ዝተወሰኑ ከምዝተፀገኑን ኣብ ከይዲ ፅገና ዝርከቡ ከምዘለዉን ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ከተማ ሽረ ንዝርከብ ሓደ መከፋፈሊ ነዳዲ ዝኸውን ነዳዲ እናተጓዓዓዘ እንትኸውን÷ ኣብታ ከተማ ንዝርከብ ተወሳኺ ሓደ መከፋፈሊን ኣብ ማይ ፀብሪ ንዝርከብ መዕደሊን ድማ ኣብዚ ሰሙን ከምዝጓዝ ኣብሪሆም።

ብኻሊእ መዳይ ብመስመር ደሴ-ወልዲያ- ሓራ መዕፀፊ- ቆቦ ዝርከቡ መዕደሊ ነዳዲ ነዳዲ እናቐረበ ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ኣብ ኣላማጣን ኮረምን ዝርከቡ ሰብ ዋና መከፋፈሊ ነዳዲ ሕፅረት ገንዘብ ስለዘለና ነዳዲ ክንእዝዝ ኣይንኽእልን ብምባሎም ነዳዲ ምቕራብ ከምዘይተኸኣለ ተገሊፁ፡፡

እቶም ሰብ ዋና ነዳዲ እንትሓቱ ፍርያት ከምዝቐርብ እውን ተመልኪቱ።

ብወገን ኣብዓላ ዝርከባ ክልተ መከፋፈሊ እቶም ሰብ ዋና መዕደሊ ነዳዲ ስለዘይተረኸቡ ነዳዲ ንምቕራብ ዘኽእል ኩነታት የሃሉ እምበር ክነታት ከምዝተኣጓለ ኣብሪሆም፡፡

ብዮሃንስ ደርበው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.