Fana: At a Speed of Life!

ዘሎ ፀጋ ብምጥቃም ትሩፋት ሌማት ጋህዲ ንምግባር ምርብራብ ይግባእ – ኣይተ ደመቀ መኮንን

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ዘሎ ፀጋ ብምጥቃም ትሩፋት ሌማት ጋህዲ ንምግባር ምርብራብ ከምዝግባእ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን ገሊፆም።

ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ጉራጌ ወረዳ መስቃን መርሃ ግብሪ መፋለጢ መመሓየሺ ፍርያት ፀባ፣ ደርሆ፣ ስጋን መዓርን ተሳሊጡ።

ብቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ዕላዊ ዝተገበረ መርሃ ግብሪ ’ትሩፋት ሌማት’፥ ብምግቢ ሉኣላዊነት ምኽባርን ክብሪ ምስምርግጋፅን ምትእስሳር አለዎ ተባሂሉ።

ኣብ ትሩፋት ሌማት ነቲ ክልል ብቐረባ ንኽድግፉ ዝተመረፁ ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም መልእኽቲ ኣመሓላሊፎም፡፡

ኣብ መልእኽቶም ድማ÷ “ኣብ ከተማ ኣርባ ምንጭ ዝተጀመረ ሃገራዊ መርሃ ግብሪ፤ ኣብ ዝፈላለዩ ከባቢታት ብምፍላጥ ተግባራዊ ንኽኸውን ንሰርሕ ኣለና” ኢሎም፡፡

ብዝተመጣጠነ ምግቢ ጥዕንኡ ዝተሓለወ ወለዶ ምፍራይ ከምዝግባእ ዝበሉ ኣይተ ደመቀ መኮንን÷ ኣብ ከባቢ ዘሎ ፀጋ ብምጥቃም ትሩፋት ሌማት ጋህዲ ንምግባር ምርብራብ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም፡፡

ብምንተስኖት ሙሉጌታ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.