Fana: At a Speed of Life!

ኲናት ዕድመናን ሕልምናን ዝሰረቐ እዩ ክብሉ መናእሰይ ከተማ ሽረ ተዛሪቦም

ኣዲስ ኣበባ፣ 16 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”እቲ ዝተኻየደ ኲናት ዕድመናን ሕልምናን ዝሰረቐ እዩ” ክብሉ መናእሰይ ከተማ ሽረ ተዛሪቦም።

ነበርቲ ከተማ ሽረ ዝኾኑ መናእሰይ ክብሮም ግዑሽን ተስፋ ገብረጊዮርጊስን እቲ ኩናት ህይወት ብዙሓት መናእሰይ ከምዝቐጠፈን፣ ትልሞምን ተስፈአሞን ከምዘሰናኸለሎም ኣብሪሆም፡፡

ካብ ዩኒቨርስቲ መቀለ ብጂኦሎጂ ተመሪቑ ኣብ ኩባንያ ጃፓን ተቆፂሩ ዝሰርሕ ዝነበረ ክብሮም÷ በቲ ዝረኽቦ ኣታዊ ‘ስድርኡ ይመርሕ ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡

ኣብ ሃገረ ጃፓን ተወሳኺ ስልጠና ንምውሳድ ዘኽእሎ ዕድል ረኺቡ ኣብ ምድላው እናሃለወ እቲ ኩናት ብምውልዑ ካብ ጉዕዝኡን ስርሑን ከምዝተኣጓጎለ እውን ኣልዒሉ፡፡

ብተመሳሳሊ ኣብ ከተማ ጅማ ሓዳር መስሪቱ ኣቦ ሓደ ቆልዓ ዝኾነ ተስፋ እውን፤ ናይ ባዕሉ ስራሕ ብምስራሕ ይመሓደር ከምዝነበረን ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ስራሕቲ ፋሽን ዲዛይንን ተሊሙ ይሰርሕ ከምዝነበረ ገሊፁ፡፡

ካብ ጅማ ስድርኡ ንምሕታት ናብ ሽረ ኣብ ዝመጸአሉ ኣጋጣሚ ሃንደበት ብዝተጀመረ ኲናት ካብ ውላዱ፣ ስርሑን ናብርኡን ንዝሓለፉ ክልተ ዓመታት ተፈሊዩ ንክፀንሕ ከምዝገበሮ ሓቢሩ፡፡

ምስ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ፃንሒት ዝገበሩ እዞም መናእሰይ÷ እቲ ኲናት ሕልምን ዕድመን ህፃውንትን መናእሰይ ትግራይ ዝበልዐ እዩ ኢሎም፡፡

እቲ ስምምዕነት ሰላም ሙሉእ ብሙሉእ ተግባራዊ ንክግበር እውን ፃዊዒት ኣቕሪቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.