Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትግራይ ቫይረስ ኮረና ብዝምልከት ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዘኽአል ነፃ መስመር ስልኪ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ኣብ ትግራይ ቫይረስ ኮረና ብዝምልከት ሓበሬታ ንምልውዋጥ ዘኽእል ነፃ መስመር ስልኪ ዕላዊ ከምዝኾነ ቢሮ ጥዕና እቲ ክልል ገሊፁ።

ሓላፊ ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሓጎስ ጎድፋይ ከምዝበልዎ፥ እቲ ነፃ መስመር ሰልኪ 6244 ኢዩ።

ነፃ መስመር ስልኪ 6244 ብምጥቃም ካብ ሎሚ መዓልቲ ጀሚሩ ብዛዕባ ሕማም ኮሮና ኣመልኪቱ ብቋንቋ ትግርኛ ሓበሬታ ምልውዋጥ ከምዝከኣል ዶክተር ሓጎስ ኣብሪሆም።

ስለዝኾነ ነፃ ስልኪ መስመር 6244፥ ኩነታት እቲ ቫይረስ ብዝምልከት ሓበሬታ ንምሕታትን ንምሃብን ኩሉ ሰብ ክጥቀመሉ ከምዝግባእ ሓቢሮም።

ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዐ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ትማሊ ዕላዊ ምግባሩ ይዝከር።።

እቲ ወዲ 48 ዓመት ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ፥ 25 ለካቲት 2012 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ኣብሪሀን ኢየን።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.