Fana: At a Speed of Life!

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽን ኣብ ሃዋሳ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ባኒ መሪቖም ከፊቶም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 15 ታህሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድን ቀዳማዊት እመቤት ዝናሽን ኣብ ሃዋሳ ዝተሃነፀ ፋብሪካ ባኒ መሪቖም ከፊቶም።

እቲ ፋብሪካ መዓልታዊ 300 ሺሕ ባኒን 42 ቶን ሕሩጭን ናይ ምፍራይ ዓቕሚ ከምዘለዎ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ሚዲየኦም ኣብ ዘመሓላለፍዎ መልእኽቲ ሓቢሮም።

እቲ ፋብሪካ ብቤት ፅሕፈት ቀዳማዊት እመቤት ኣቢሉ ኣብ መላእ እዛ ሃገር ካብ ዝህነፁ 11 ፋብሪካታት ባኒ ሓደ ኢዩ ተባሂሉ።

“እቶም ፋብሪካታት ባኒ ውሕስነት ምግቢ ኢትዮጵያ ንምርግጋፅ ኣብ ዝግበር ጉዕዞ ብካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተመሳሳይ ልምዓት ንክሰፍሕ መርኣያ  ኢዮም” ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.