Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣውሮፕላን ናይ መወዳእታ ፀብፃብ ምርመራ ዕላዊ ኮይኑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ካብ ዓለም ለኸ መዕርፎ ነፈርቲ ቦሌ ናብ ኬኒያ ናይሮቢ እናበረረት ኣብ ዝነበረትሉ ኣብ ከባቢ ቢሾፍቱ ዝተሓምሸሸት ቦይንግ 737 ማክስ 8 ኣውሮፕላን ኢትዮጵያ ናይ መወዳእታ ፀብፃብ ምርመራ ዕላዊ ኮይኑ።

ሚኒስትር ትራንስፖርትን ሎጂስቲክስን ወይዘሮ ዳግማዊት ሞገስ ንጋዜጠኛታት ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ፥ እታ ኣውሮፕላም ድሕሪ ምሕምሻሻ ጉጅለ ምርመራ ብምጥያሽ ዝተፈላለዩ መፅናዕቲ ይግበር ነይሩ ኢለን።

ስለዝኾነ ናይ መወዳእታ ውፅኢት ዕላዊ ንምግባር ለበዳ ኮቪድ 19 ፅዕንቶ ፈጢሩ ከምዝፀንሐ ተዛሪበን።

እታ ኣውሮፕላን ቅድሚ በረራ መጅማራ እቶም ኣብረርቲ ዝተሓደሰ ፍቓድ ምሓዞም፣ ናይታ ኣውሮፕላን ዝተሓደሰ ፍቓድ በረራ ምንባሩ፣ ሚዛናን ክብደታን ብዝግባእ ልክዕ ከምዝኾነ ከምዝተረጋገፀ ገሊፀን።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.