Fana: At a Speed of Life!

ኖርዌይ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ሰብዓዊ ሓገዝ ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ገሊፃ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኖርዌይ ንኢትዮጵያ ትገብሮ ድጋፍ ሰብዓዊ ሓገዝን ከይዲ ዳግመ ህንፀትን ኣጠናኺራ ከምትቕፅል ኣባሳደር ኖርዌጥ ኣብ ኢትዮጵያን ቀዋሚ ተወካሊ ኖርዌይ ኣብ ሕብረት ኣፍሪካን ኣምባሳደር ስቲያን ክሪስቴንሰን ገሊፆም።

እቶም ኣምባሳደር÷ ምስ ኣካቢ ቀዋሚ ኮሚቴ ጉዳያት ርክብ ወፃኢን ሰላምን ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዲማ ነገዎ ተዛቲዮም፡፡

ምባሳደር ስቲያን ክሪስቴንሰን ከምዝገለፁዎ÷ ኖርዌይ ኣብ ሰሜናዊ ክፋል ኢትዮጵያን ካልኦት ከባቢታትን ብዝተፈጠረ ጎንፂ ዝተጎድኡ ክፋላት ሕብረተሰብን መሰረተ ልምዓታትን መሊስካ ንምህናፅ ኣብ ዝግበር ፃዕሪ ሓገዛ ኣጠናኺራ ክትቅፅል ኢያ፡፡

መንግስቲ እቲ ጎንፂ ብሰላማዊ መገዲ ንምፍታሕ እናገበሮ ዝርከብ ፃዕሪ መንግስቲ ኖርዌይ ከምዘበረታትዕ ምግላፆም ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.