Fana: At a Speed of Life!

ኣፈፃፅማ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣፈፃፅማ ስራሕ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ቀዳማይ ሚኒትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ ተገምጊሙ።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ንኣመራርሓታት እታ ከተማ ብምርካብ ኣፈፃፅማ በጀት ዓመት 2014 ዓ.ምን ኣፈፃፅማ ርብዒ ዓመት 2015 ዓ.ም ገምጊሞም።

ኣብቲ ገምጋም ከንቲባ ምምሕዳር ከተማ ኣዲስ ኣበባ ኣዳነች ኣቤቤ ሓዊሱ ላዕለዎት ኣመራርሓ እታ ከተማ ተረኺቦም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ÷ ኣብታ ከተማ ዝተጀመሩ ሰናይ ስራሕቲ ልምዓት ንኽስፋሕፍሑን ፀገማት ንኽስተኻኸሉን ኣንፈት ምሃቦም ካብ ቤት ፅሕፈት ቀዳማይ ሚኒስትር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.