Fana: At a Speed of Life!

ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ክሊ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ፀፅታን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ኣሳሊጠን

ኣዲስ ኣበባ፣ 11 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ መንጎ ኢትዮጵያን ሱዳንን ኣብ ክሊ ዘይሕጋዊ ዝውውር ሰባትን ፀፅታን ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ዘተ ተሳሊጡ።

ላዕለዎት ወተሃደራዊ ኣመራርሓ ከልቲአን ሃገራት ኣብ ከተማ መተማ የውሃንስ ብምርኻብ እቲ ቀጣና ናይ ሰላምን ልምዓትን ኮሪደር ንምግባርን ዘይሕጋዊ ምንቅስቓስ ብሓባር ንመቁፅፃርን ኣብ ዘኽእሉ ዛዕባታት ተዛቲዮም።

ካብ ሰራዊት ምክልኻል ፌዴሪኢ ብርጋዲየር ጄኔራል ኤርቃሎ ዱካቶ፥ ኣብ ከባቢ ዶብ ዝፍጠሩ ፀገማት ብሓባር ንምፍታሕ ዘተ6 ኣድላዪ ኢዩ ኢሎም።

እዚ ድማ ንክልቲአን ሃገራት ሰላምን ልምዓትን ንምርግጋፅ ከምዝሕግዝ ተዛሪቦም።

ዋና ሓላፊ ኣታች ሱዳን ብርጋዲየር ጄኔራል ዓብደላ መሓመድ ብግደኦም፥ እቲ ዘተ ንክልቲአን ኣሕዋት ሃገራት ኣዝዩ ኣድላዪ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ኣብ ቀፃሊ እቲ ከይዲ እናተገምገመ ተቐራሪብካ ንምስራሕ ዘኽአል ኢዩ ምባሎም ካብ ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.