Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ኣብ ኢትዮጵያ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ ፣4 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ጥዕና ፌዴሪኢ ብቫይረስ ኮሮና ዝተጠቕዐ ሰብ ኣብ ኢትዮጵያ ከምዝተረኸበ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ዝሃቦ መግለፂ ኣረጋጊፁ።

እቲ ብቫይረስ ኮረና ከምዝተለኸፈ ዝተረጋገፀ ወልቀ ሰብ ጃፓናዊ ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቲ ወዲ 48 ዓመት ጃፓናዊ፥ 25 ለካቲት 2012 ዓ.ም ናብ ኢትዮጵያ ከምዝኣተወ ሚኒስትር ጥዕና ፌዴሪኢ ዶክተር ሊያ ታደሰ ኣብ ዝሃብኡ መግለፂ ኣብሪሀን።

ካብ ቡርኪናፋሶ ከምዝመፅአ ዝተገለፀ እቲ ጃፓናዊ ውልቀ ሰብ፥ ምልክት ናይቲ ሕማም ስለዝተሰመዖ 2 መጋቢት 2012 ዓ.ም ናብ ሕክምና ብምኻድ ምርመራ ከምዝገበረን ምስተመርመረ ድማ ትማሊ ለይቲ እቲ ቫይረስ ከምዘለዎ ምርግጋፁን ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ናብ ውሽጢ ዓዲ ምስ ኣተወ ምስኡ ርክብ ነይሩዎም ዝተብሃሉ 25 ሰባት ናብ ማእኸል ከኣትዉ ብምግባር ክትትል እናተገበረሎም ከምዝኾነ እውን ተገሊፁ።

እቲ ቫይረስ ናብ ኢትዮጵያ ከየኣቱ ብዝተፈላለዩ መገዲታት ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሑ ምፅነሖም ዝገለፃ እተን ሚኒስትር፥ ኣብ ቀረባ እዋን ብቀዳማይ ሚኒስትር ዝተጣየሸ ኮሚቴ ሓላፊነቱ ብምውሳድ ኣድላዪ ዘበለ ኩሉ እናሰርሐ ከምዝርከብ ኣብሪሀን።

ማእኸላት መፍለዪ እናተዳለዉ ከምዝኾኑን እቲ ሕማም እንተተፈጢሩ ድማ ናብቲ ማእኸል ዝኣትዉሉ ፍሉይ ክፍሊ ከምዝተዳለወን እውን ኣፍሊጠን።

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓደ ሆስፒታል ሙሉእ ብሙሉእ ካሊእ ስርሑ ጠጠው ከብል ብምግባር በቲ ቫይረስ ዝተለኸፉ ሰባት ክሕከሙሉ ንምግባር ከምዝተዳለወ ገሊፀን።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ምድንጋፅ ዘይኮነስ ኣድላዪ ጥንቃቐ ምግባር ከምዝግባእ እውን እተን ሚኒስቴር ኣተሓሳሲበን።

ኢድ ብኣግባቡ ብሳሙና ምሕፃብ፣ ብረሳሕ ኢድ ኣፍንጫ ዘይምንካእን ምስ ሰባት ዘይ ምንኽኻእን ሕማም ቫይረስ ኮሮና ንምክልኻል ከምዝሕግዙ ኣገንዚበን።

ሚኒስቴር ጥዕና ምስ ኢኒስቲትዩት ጥዕና ሕብረተሰብ ኢትዮጵያ ከምኡ እውን ምስ እቲ ዝተጣየሸ ሓዱሽ ኮሚቴን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ብምትሕግጋዝ ኣድላዪ ናይ ምክልኻል ስራሕቲ እናተሰርሑ ምዃኖም ኣፍሊጠን።

ብዛዕባ እቲ ለበዳ ሕማም ተወሳኺ ሓበሬታ ንምርካብ ድማ ብናፃ ስልኪ መስመር 8335 ምድዋል ከምዝከኣል ተገሊፁ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.