Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዝተፀንዐ ሰርዓተ ትምህርቲ ብዝሃ ቋንቋ ኣብዚ ሰሙን ዘተ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ሓዱሽ ዝተፀንዐ ሰርዓተ ትምህርቲ ብዝሃ ቋንቋ ኣብዚ ሰሙን ዘተ ክግበረሉ ኢዩ ተባሂሉ።

እቲ ምምሕዳር ምስ ኩሉ ክፋላት ሕብረተሰብ ትምህርቲ ዝጀመሮ ዘተ ኣጠናኺሩ ቀፂሉ ኣሎ።

ስለዝኾነ ሎሚ መዓልቲ ኣብ ኩለን ከፍላተ ከተማታት ኣብ ዝርከባ ኣብያተ ተምህርቲ ዝተረጋገዐን ሰላማዊን ከይዲ ምምሃር መስትምሃር ከምዝተጀመረ ተሓቢሩ።

ሓላፊ ቢሮ ትምህርቲ እቲ ምምሕዳር ዶ/ር ዘላለም ሙላቱ፥ ምምሕዳር ኣዲስ ኣበባ ካብ ወርሒ ነሓሰ 2014 ዓ.ም ጀሚሩ ኣብ ዩንቨርሲቲ ሜትሮፖሊታን ኮተቤ ፅንዓት እንትግበረሉ ዝነበረ ካሊኩለም ብዝሃ ቋንቋ ብምዝዛም ኣብዚ ሰሙን ንዘተ ከምዘቕርቦ ተዛሪቦም።

እቲ ካሪኩለም ፀዲቑ ናብ ትግበራ ዝኣቲ እንትኸውን ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሕነት ብብቕዓት ዘተኣናገድ ስርዓት ከምዝትግበር ገሊፆም።

ብመሰረት ፖሊሲ ቋንቋ ሚኒስቴር ትምህርቲ ሰለስተ ቋንቋታት ባዕሎም ክኢሎም ከም ሓደ ዓይነት ትምህርቲ ኣብ ኣብያተ ትምህርቲ ንክወሃቡ ንምግባርን ጉዳይ ባንዴራን መዝሙርን እውን መፍትሒ ከምዝህብ ሓቢሮም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.