Fana: At a Speed of Life!

ናብ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ስጋ ልዕሊ 41 ሚሊየን ዶላር ኣታዊ ተረኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 10 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢሲ)ኣብ ዝሓለፉ ሓሙሽተ ኣዋርሕ ናብ ወፃኢ ካብ ዝቐረበ ፍርያት ስጋ  41 ሚሊየን 800 ሺሕ ዶላር ኣታዊ ከምዝተረኸበ በዓል መዚ ሕርሻ ኢትዮጵያ ገሊፁ።

ኣብቲ በዓል መዚ ዳይሬክተር ሴርተፊኬሽንን ኢንስፔክሽንን ኤክስፖርት ማሕረዲ ኣያሌው ሹመት÷ እቲ ኣታዊ 5 ሺሕ 900 ቶን ፍርያት ስጋ ብምቕራብ ከምዝተረኸበ ተዛሪቦም፡፡

እቲ ፍርያት ስጋ ብስፍሓት ካብ ሞንጎ ዝተለኣኸለን ሃገራት÷ ዱባይ፣ ስዑድ ዓረብን ኩዌትን ከምዝርከበኦ ኣብሪሆም።

ናብ ቻይና፣ ኢንዶኔዥያ፣ ከምኡ እውን ሃገራት ኣውሮፓ ኣብ ቀፃሊ ፍርያት ስጋ ንምልኣኽ ዘኽእሉ ፃዕሪታት እናተሳለጡ ከምዝኾኑ ገሊፆም።

ኣብዚ ሕዚ እዋን ብዘሎ ዓቕሚ በቢዓመቱ 200 ሺሕ ቶን ስጋ ናብ ወፃኢ ዕዳጋ ምቕራብ ከምዝከኣል ብምግላፅ÷ እዚ ጋህዲ ንምግባር እናተሰርሐ ምባሎም ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.