Fana: At a Speed of Life!

ተንቀሳቓሲ ንብረት ብዋሕስ ብምትሓዝ ካብ ባንኪ ልቓሕ ምርካብ ዘኽእል ስርዓት ኣብ ሓፂር እዋን ክጅመር ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 9 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ተንቀሳቓሲ ንብረት ብዋሕስ ብምትሓዝ ኣገልግሎት ልቓሕ ምርካብ ዘኽእል ኣዋጅ ኣብ ቀረባ እዋን ዕላዊ ከምዝግበር ገዛኢ ብሄራዊ ባንኪ ኢትዮጵያ ዶክተር ይናገር ደሴ ገሊፆም።

እቲ ኣዋጅ ብፍላይ ኣብ ገጠር ንዝነብሩ ከባብታት ተረባሕቲ ዝገብር እዩ ዝበሉ እንትኾን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ዝርከባ ባንክታት ክሳብ ሕዚ ካብ 330 ሺሕ ዘይበልፁ ሰባት ጥራሕ ልቓሕ ከምዝሃባ ሓቢሮም፡፡

ብመንፅር ኣብዛ ሃገር ዘለው ልቓሕ ዝወሰዱ ዜጋታት ኣዝዮም ውሑዳት ምዃኖም ብምሕባር ኣብዚ ሕዚ እዋን እቲ ፀገም ንምፍታሕ ተንቀሳቓሲ ንብረት ብዋሕስ ብምትሓዝ ኣገልግሎት ልቓሕ ዝወሃበሉ ኣዋጅ ተግባራዊ ንምግባር ምድላው ምዝዛሙ ተዛሪቦም።

ብፍላይ ኣርባሕቲ እንስሳትን ሓረስቶትን፣ ኣግማል፣ ውልቃዊ ደንታት፣ ደፍተራት መጥቀሚ መሬትን ከምኡ እውን መሰል መሬት ብምትሓዝ ልቓሕ ክረኽቡ ከምዝኽእን ሓቢሮም፡፡

እዚ ኣዋጅ ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ክልል ሶማሌ ከተማ ጅግጅጋ ዕላዊ ከምዝግበር ምግላፆም ኣገልግሎት ዜና ኢትዮጵያ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.