Fana: At a Speed of Life!

ምስ ጅብሰም ተፃዒኑ ናብ ኬንያ ክሳገር ዝነበረ 6 ሺሕን 150 ኪ.ግ መዕወኒ ሓሽሽ ተታሒዙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ክልል ደቡብ ዞባ ኦሞ ምስ ጅብሰም ተፃዒኑ ናብ ኬንያ ክሳገር ዝነበረ 6 ሺሕን 150 ኪ.ግ ካናቢስ ዝተብሃለ መዕወኒ ሓሽሽ ምሓዙ ፖሊስ እታ ዞባ ኣፍሊጡ።

እቲ መዕወኒ ሓሽሽ ዝፀዓነት ተሽከርካሪት ኣብ ጉዕዞ መስመር ኤርቦሬ እናሃለወት ወረዳ በናጠማይ ወይጦ ወይድማ ብራሌ ተባሂሉ ኣብ ዝፅዋዕ ናይ ገፀር ከተማ ምስ በፅሐት ኣባላት ፍሉይ ሓይሊ ክልል ደቡብ ብዝገበሩዎ ክትትል ከምዝተትሓዘ ተገሊፁ።

ሹፌር እታ ተሸካሪትን እቲ ንብረት ዝፀዓነ ውልቀ ሰብን ካብታ ተሸከርካሪት ወሪዶም ዝሃደሙ እንትኾኑ÷ ሓጋዚ እታ ተሸከርካሪትን እታ መኪና ምስ ፅዕነታ ኣብ ትሕቲ ቁፅፅር ውዒሎም ምርመራ እናተገበረሎም ከምዝኾነ ተሓሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.