Fana: At a Speed of Life!

ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ኣገልግሎት ባንኪ ብህፁፅ ንክጅመረለን ሓቲተን

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምምሕዳራት ከተማታት ኣላማጣን ኮረምን ኣገልግሎት ባንኪ ብህፁፅ ንክጅመረሎም ሓቲቶም።

ከንቲባ ከተማ ኣላማጣ ሃይሉ ኣበራን ምክትል ከንቲባን ሓላፊ ቤት ፅሕፈት ገበርናን ከተማ ኮረም ሰላም ደበሳይ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝበልዎ፥ ብዘይካ ባንኪ ካልኦት ተቛሪም ዝነበሩ ኣገለግሎታት ዳገም ናብ ስራሕ ኣቲዮም ኢዮም።

ስለዝኾነ እቲ ዝተጀመረ ስራሕቲ ብዝበለፀ ንምጥንኻር ኣገልግሎት ባንኪ ዘይምጅማሩ ኣብ ስራሕቶም ዕንቅፋት ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ብመሰረት እዚ ኣገልግሎት ባንኪ ብህፁፅ ንክጅመረሎም ሓቲቶም።

ባንኪ ወጋገንን ኢንተርናሽናል ባንኪ ኣንበሳን ኣብ ተግራይ ዳግምን ኣገልግሎት ንምጅማር ዘኽአል ምድላዋቶም ምዝዛሞም መግላፆም ይዝከር።

ብዮሐንስ ደርበው

 

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.