Fana: At a Speed of Life!

ውፅኢት ሰልጣነ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ምስ ስነ ምህዳር መሬትና ብምዝማድ ንምፍፃም ዓለም ከምዘለዓዕል ምንም ጥርጣረ ኣይብለይን-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ውፅኢት ሰልጣነ ሓምለዋይ ኣሰር ኢትዮጵያ ምስ ስነ ምህዳር መሬትና ብምዝማድ ንምፍፃም ዓለም ከምዘለዓዕል ምንም ጥርጣረ ኣይብልናን ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

“ኣፍሪካ፥ ዓለም ለኸ ጎፍጓስ ህፁፅነት” ብዝብል መሪሕ ቃል ኣሜሪካን ኣካዳሚ ኦፍ ኣቺቭመንትን ግሎባል ሆፕ ኮአሊሽንን ዝተብሃሉ ትካላት ኣብ ዋሽንግተን ዲሲ ብሓባር ኣብ ዘዳለውዎ መድረኽ፥ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝምልከት ንዝሃብዎ ኣመራርሓ ሽልማት “ልዑል ኣመራርሓ ኣፍሪካ” ተበርኪቱሎም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብቲ መድረኽ ኣብ ዝገበርዎ መደረ፥ ዓለም ምስ ለውጢ ክሌማ አንትቃለስ ኢትዮጵያ ተግባራዊን ዝረኣይን መፍትሒ ብምሕራይ ምስራሕ ጀሚራ ኣላ ኢሎም።

ኢትዮጵያዊያን ብሙሉኦም ሃገሮም ሓምለዋይ ንምልባስ ፈልሲ ሒዞም ከምዝተበገሱ ኣፍሊጦም።

ድሕሪ ትሽዓተ ኣዋርሕ እዋን ፀሓይ ንተኸላ ፈልሲ ምቹእ  ኩነታት ዝፍጠረሉ ኣዋርሕ ካብ ሰነ ክሳብ ነሓሰ ከምዝኾነ ተዛሪቦም።

ስለዝኾነ ኣብተን ሰለስተ ኣዋርሕ ዜጋታት ብሓባር ፈልሲ ዝተኽሉሉ እዋን ኢዩ ኢሎም።

ብመሰረት እዚ ኣብ ውሽጢ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ 25 ቢሊየን ዜጋታት ብምልዕዓል 25 ቢሊየን ፈልሲ ከምዝተተኸለ ኣረዲኦም።

ኢትዮጵያ ካብ ተኸላ ፈልሲ ብተወሳኺ 700 ሺሕ ሄክታር ደኒ ሃፍቲ ተፈጥሮ ብዘላቕነት ተሓሊዩ ንክፀንሕ ትገበር ከምዘላ ተዛሪቦም።

ኣብ 2022 ዓ.ም.ፈ ዝትከሉ ፈልሲታት ልዕሊ ሰለስተ ዕፅፊ ክብ ምባሎም ን700 ሺሕ ዜጋታት ዕድል ስራሕ ብምፍጣር 1 ነጥቢ 3 ቢሊየን በር ኣታዊ ክርከብ ምኽኣሉ ኣብሪሆም።

ብተወሳኺ ክሳብ 2030 22 ሚሊየን ሄክታር ዝተጎድአ መሬት መሊስካ ነምድሓን ዘኽእል ትልሚ ከምዝተትሓዘ ገሊፆም።

ብድምር ምምንማን ደኒ ብምክልኻል ኣብ ኢትዮጵያ ኢሉ እውን ኣብ ኣፍሪካ ሓምለዋይ ማሕበረሰብ ንምህናፅ ክንሰርሕ ኢና ኢሎም።

ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ጎስጓስ ሓምለዋይ ኣሰር ብዝምልከት ንዝሃብዎ ኣመራርሓ ሽልማት “ልዑል ኣመራርሓ ኣፍሪካ” ምብርካቱ አመስጊኖም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.