Fana: At a Speed of Life!

ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ ( ባባ ) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 ታሕሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ ( ባባ ) ካብዛ ዓለም ብሞት ተፈልዩ።

ኣርቲስት ብርሃኑ ብዝሓደሮ ሕማም ካብዛ ዓለም ብሞት ከምዝተፈለየ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ካብ ስድርኡ ኣረጋጊፁ፡፡

ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ÷ ልዕሊ 40 ዝኾኑ ፊልምታት ኣምሓርኛ ብመሪሕ ተዋሳኣይን ተዋሳኣይን ተሳቲፉ ኢዩ፡፡

እቲ ኣርቲስት ካብ ሞንጎ ዝተሳተፈሎም ፊልሚታት÷ ላውንደሪ ቦይ፣ 300 ሺሕ፣ ፍቅርን ፌስቡክን፣ ኢንጂነሮቹ፣ ህይወቴ፣ ከቃል በላይ፣ ህይወትና ሳቅ፣ ሃገርሽ ሃገሬ፣ እዮሪካ፣ ከባድ ሚዛን፣ ወፌ ቆመች፣ በቁም ካፈቀርሽኝ፣ እንደ ቀልድ፣ እርቅ ይሁን፣ ሞኙ ያራዳ ልጅ 4፣ ኣባት ሃገርን ወጣት በ97 ይርከቡዎም፡፡

ኣርቲስት ታሪኩ ብርሃኑ ኣቦ ሓደ ቆልዓ ነይሩ።

ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ንስድርኡ፣ ንፈተውቱን ኣድነቕቱን ፅንዓት ይምነ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.