Fana: At a Speed of Life!

ኤርትራን ኬንያን ክልተኣዊ ሰነድ ስምምዕ ከቲመን

ኣዲስ ኣበባ፣ 1 ታህሳስ፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኤርትራን ኬንያን ክልተኣዊ ሰነድ ስምምዕ ከቲመን።

ፕሬዚደንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብመሰረት ዝገበርሎም እንግዶት ኣብ ኤርትራ ናይ ክልተ መዓልታት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ዝገብሩ ዘለዉ ፕሬዚደንት ኬንያ ዊልያም ሩቶ ከልቲኣዊ ዘተ ከምዝገበሩ ተገሊፁ።

እቶም መራሕቲ ኣብ ዞባዊን ሓፈሻዊ ጉዳያትን ዝተዛተዩ እንትኾኑ፥ ኣብ ንግዳውን ዞባውን ምትሕብባር ሓቢሮም ንምስራሕ ዘኽአለ ሰነድ ስምምዕነት ምፍርራሞም ሚኒሰትር ሓበሬታ ኤርትራ ኣይተ የማነ ገብረመስቀል ኣብ ትዊተር ሒሳቦም ኣብ ዘስፈርዎ ፅሑፍ ገሊፆም።

ክልተኣዊ ርክባት ክሕይልን ህዝቢ ምስ ህብዚ ዝህልዎ ርክባት ክድልድልን እውን ተሰማሚዖም።

ፕሬዚዳንት ኢሳያያስ ኣፈወርቅን ፕሬዚዳንት ዊልያም ሩቶን ኣብ ቀርኒ ኣፍሪካ ሰላምን ፀጥታን ንምውሓስን ንምዕባለን ኣብ ዞባዊ ውህደት ብሓባር ክሰርሑ ተሰማሚዖም ኣለዉ ኢሎም ኣይተ የማነ ኣብ መልእኽቶም።

ብፕሬዚዳንት ኬኒያ ዊልያም ሩቶ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ እታ ሃገር ፕሬዚዳንት ኤርትራ ኢሳይያስ ኣፈወርቂ ብመሰረት ዝገበርሎም እንግዶት ዕላዊ ዑደት ስራሕ ንምግባር ትማሊ ናብ ኣስመራ ምምርሖም ይዝከር።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.