Fana: At a Speed of Life!

መልቀቒ ፈተና መምዘኒ ብቕዓት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ክወሃብ ኢዩ – ሚኒስቴር ትምህርቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መልቀቒ ፈተና መምዘኒ ብቕዓት ኣብ ዝቕፅል ወርሒ ሰነ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን ከምዝወሃብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ኣፍሊጡ።

ብመሰረት እዚ 200 ሺሕ ተምሃሮ ፈተና ከምዝወስዱ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ፡፡

ኣብቲ ሚኒስቴር ፈፃሚ ስራሕ ኣማኻሪ ጉዳያት ኣካዳሚ ላዕለዎት ትካላት ትምህርቲ ዶክተር ኤባ ሚጀና ነቲ ጉዳይ ኣመልኪቱ ኣብ ዝተሰናደአ ዓውደ መፅናዕቲ ተረኺቦም ከምዝገለፁዎ÷ ኩሎም ቅድመ ስሩዕ ተምሃሮ ኣብ ተመሳሳሊ እዋን መልቀቕ ፈተና ክወሃቦም ኢዩ።

ፈላማይ ፈተነ ኣብ ወርሒ ሰነ ምስተውሃበ፤ ዝቕፅል ፈተና ድማ ድሕሪ ሽዱሽተ ኣዋርሕ ከምዝወሃብ ምግላፆም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.