Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ብሽም ቀዋሚ ንብረት ዝግበር ዝውውር ንግዚኡ ኣገልግሎት ተኣጊዱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 30 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኣዲስ ኣበባ ዝኾነ ይኹን ብሽም ቀዋሚ ንብረት ዝግበር ዝውውር ንግዚኡ ኣገልግሎት ከምዝተኣገደ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣፍሊጡ።

ሓላፊ ዘፈር ጉዳያት ካቢኔ ቤት ፅሕፈት ከንቲባ ኣይተ ቢኒያም ምክሩ ንፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት ከምዝገለፁዎ÷ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ካብ 29 ሕዳር 2015 ዓ.ም ጀሚሩ ዝኾነ ይኹን ዝውውር ስም ቀዋሚ ንብረት ኣገልግሎት ንግዚኡ ተኣጊዱ ኣሎ፡፡

እቲ ኣገልግሎት ተኣጊዱ ዘሎ ኣብታ ከተማ ዘይሕጋዊ ተግባር ንምክልኻል እናተገበረ ዝርከብ ከይዲ ውፅታዊ ንምግባር ከምዝኾነ እቶም ሓላፊ ተዛሪቦም፡፡

ንኩሎም ክፍለ ከተማታትን ዝምልከቶም ኣካላትን ዝተመሓላለፈ ውሳነ ተፈፃሚ ንኽኸውን ትእዛዝ ከምዝተውሃበ እውን ገሊፆም፡፡

ብመላኩ ገድፍ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.