Fana: At a Speed of Life!

ቫይረስ ኮሮና ናብ ትግራይ ከይኣቱ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምውጋን ዘተ ተሳሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ አብዚ ሕዚ እዋን ብብርኪ ዓለም ስግአት ኮይኑ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ናብ ትግራይ ከይአቱ ንምክልኻል ዘኽእሉ ስራሕቲ ንምውጋን አብ ትግራይ ምስ ዝርከቡ ሰብ ሞያ ጥዕና ተዛትዩ።

አብ ሪፈራል ሆስፒታል ዓይደር ኪኢላ ውሽጢዊ ሕማማት ዶክተር ብስራት ተስፋይ፥ እንታይነት ሕማም ኮሮና፣ ቀንዲ መልዐሊኡን ምልክቱን አድሂበን ኣብቲ ዘተ መፅናዕታዊ ፅሑፍ ኣቕሪበን።

ሰዓል፣ ረስኒ፣ ቁርጥማትን ሕማም ጉሮሮን ምልክት ሕማም ቫይረስ ኮሮና ከምዝኾኑ ዝገለፃ ዶክተር ብስራት፥ ምልክታት እቲ ቫይረስ አብ ዝኾነ ሰብ እንተተራእዩ ድማ ናብ ትካላት ጥዕና ብምውሳድ ከሕከም ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ተሳተፍቲ እቲ ዘተ ሰብ ሞያ ሕክምና ብወገኖም፥ እቲ ዝተሳለጠ ዘተ ኣብ ቫይረስ ኮሮና ፍልጠት ሃልይዎም ነቲ ሕማም ከመይ ከምዝከላኸሉን ንሕብረተሰብ ብኸመይ መንገዲ ግንዛበ ከምዝፈጥሩን ከምዝሕግዞም ተዛሪቦም።

ምክትል ሓላፊ ቢሮ ሓለዋ ጥዕና ክልል ትግራይ ዶክተር ሪእየ ኢሳያስ፥ እቲ ልዝብ ብብርኪ ዓለም ተራእዩ ዘሎ ቫይረስ ኮሮና ንምክኽልኻል ግንዛበ ሰብ ሞያ ሕክምና ንምዕባይ ዝዓለመ ከምዝኾነ ገሊፆም።

ቢሮ ጥዕና ክልል ትግራይ እቲ ለበዳ ሕማም ንምክልኻልን ንምቁፅፃርን ዝተፈላለዩ ምድላዋት ከምዝወገነ እውን ኣገንዚቦም።

ቫይረስ ኮሮና ኣብዚ ሐዚ እዋን ብዝለዓለ ናህሪ ናብ ዝተፈላለዩ ሃገራት ዝላበድ ዘሎሕማም እንትኾውን፥ ውድብ ጥዕና ዓለም ስግኣት ጥዕና ዓለም ኢዩ ብምባል ከምዝኣወጀ ይፍለጥ።

ፍልፍል፦ ኤመሓት

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.