Fana: At a Speed of Life!

ሉዊስ ኤነሪኬ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ኣሰልጣንነቶም ተሰናቶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሉዊስ ኤነሪኬ ካብ ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ኣሰልጣንነቶም ከምዝተሰናበቱ ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ስፔን ኣፍሊጡ።

ስፔን ኣብ ፅዋዕ ዓለም ኳር ብሞሮኮ ብፍፁም ቅላዕ ምስዓራ ስዒቡ÷ እቲ ፌዴሬሽን ንኤንሪኬ ካብ ኣሰልጣኒነቶም ኣሰናቢቱዎም ኣሎ።

ፌዴሬሽን ኩዕሾ እግሪ ስፔን÷ እቲ ኣሰልጣኒን ናይ ጋንታ መሓዙቱን እታ ሃገራዊት ጋንታ ብምምራሕ ንዘበርከቱዎ ኣስተዋፅኦ ምስጋና ኣቕሪቡ፡፡

ከም ኣቆፃፅራ ኣውሮፓውያን ነታ ሃገራዊት ጋንታ ዝተረከቡ ሉዊስ ኤንሪኬ÷ ኣብ ፃንሒቶም ኣብ ኣውሮፓ ኔሽንስ ሊግ ኣርባዕተ ፀወታታት ክሓልፉ ከምዝኸኣሉን ኣብ ዩሮ 2020 ምስታ ሃገራዊት ጋንታ ክሳብ ፍርቂ ፍፃመ ክበፅሑ ክኢሎም፡፡

ኣሰልጣኝ ሉዊስ ኤነሪኬ ንመናእሰይ ተፃወትቲ ዕድል ብሃብ ዝፍለጡን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘላ ሃገራዊት ጋንታ ስፔን ኣብ ምህናፅ ልዑል ግደ ዝተፃወቱን ዘ ጋርዲያን ፀብፂቡ።

ኣብ ክንዲ ኣሰልጣኒ ኤንሪኬ ድማ ሉዊስ ዴላ ፎንቴ ንሃገራዊት ጋንታ ስፔን ከምዝተረከቡ ተሓሩ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.