Fana: At a Speed of Life!

ብዝሃነት ዘኽበረ ስርዓት ፌዴራል ንምህናፅ ብዝተወደበ መልክዑ ዝተጀመረ ስራሕ ምጥንኻር ይግባእ – ኣፈ ጉባኤ ኣገኘሁ ተሻገር

ኣዲስ ኣበባ፣ 29 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዝሃነት ዘኽበረ ስርዓት ፌዴራል ንምህናፅ ብዝተወደበ መልክዑ ዝተጀመረ ስራሕ ምጥንኻር ከምዝግባእ ኣፈ ጉባኤ ቤት ምኽሪ ፌደሬሽን ኣገኘሁ ተሻገር ገሊፆም።

ኣይተ ኣገኘሁ ተሸገር ኣብ መበል 17 በዓል መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝቢታትን ኣብ ዘስምዑዎ መደረ÷ እቲ በዓል እንትኽበር ዕላምኡ ሓድነት ህዝቢታት ንምጥንኻር ከምኡ እውን ኣብዚ ሕዚ እዋን ዘሎን ኣበ ቀፃሊ ዝትካእን ወለዶ ሓድነትን ምትእስሳሩን ንምድንፋዕን ኣብ ሞንጎ ህዝቢታትን ምፍላጥ ምፍጣር ከምዝኾነ ተዛሪቦም፡፡

ቤት ምኽሪ ፌዴሬሽን እዞም ዕላማታት ንምዕዋት እቲ በዓል ኣብ ዝሓለፉ ዓመታት ኣብ ዝተፈላለያ ክልላት ብዝተፈላለዩ ምድላዋት ንኽኽበር እናገበረ ምፅንሑ ዝገለፁ እቶም ኣፈ ጉባኤ÷ ኢትዮጵያ ብህብረ ቀለማት ዝደመቐት፣ በዓልቲ ብዙሕ መንነት ከምዝኾነት መረጋገፂ ከምዝኾና እውን ኣብሪሆም።

ባህላዊ ክብሪታት ብሄር ብሄረሰባት ድማ ኣብዚ ሕዚ እዋን እናተሰርሑ ንዝርከቡ ውፅኢታት ኪነ ጥበብ መጋየፂ ክኾኑ ከምዝኸኣሉ ተዛሪቦም፡፡

እቲ በዓል እንትኽበር ኣብ ሞንጎ ህዝቢታት ምቅርራብን ምትእምማንን ናይ ምፍጣር ዓቕሚ ከምዘለዎን ሓድነት ምጥንኻር ከምዝግባእን ኣገንዚቦም፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.