Fana: At a Speed of Life!

ህብረ ብሔራዊነትና ፍልፍል ጥንካረና ኢዩ-ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ህብረ ብሔራዊነትና ፍልፍል ጥንካረና ኢዩ ክብል ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ ገሊፁ።

ኣገልግሎት ኮሚኒኬሽን መንግስቲ መበል 17 መዓልቲ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ምኽኒያት ብምግባር መግለፂ ሂቡ።

ኣብ መግለፂኡ፥ ኢትዮጵያ ካብ ኣፈጣጥራኣ ጀሚሩ ህብረ ብሄራዊ ሃገር ከምዝኾነት ሓቢሩ።

ካብ ጥንቲ ጀሚሩሰብ ዋና ብዙሕ ባህሊ፣ ቋንቋን ማንነትን ዝኾኑ ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ብሓባር ዝነብሩላ ዓባይ ሃገር ኢያ ኢሉ።

እዚ ድማ ህብረ ብሄራዊነታን ናይ ብዙሓት ብሄር ሃገር ምዃናን ናይ ስግኣት ፍልፍል ክኸውን ከምዘይግባእ ገሊፁ።

ሎሚ ዘበን ዝኽበር እቲ በዓል “ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ንዘላቒ ሰላምና” ብዝብል መሪሕ ቃል ምኽባሪ ዘረደአና ህብረ ብሄራዊ ሓድነትና ዓምዲ ሰላምና አወን ከምዝኾነ ኢዩ ኢሉ።

እቲ ዕለት ንብዙህነትናን ህብረ ብሄራዊነትናን ኣፍልጦ ዝሃበ ሕገ መንግስቲ ፌዴሪኢ ዝፀደቐሉ ዕለት ንምዝካር ከምዝኾነ ድማ ኣብሪቡ።

ኢትዮጵያ ካብ ሓደጋ ምብትታን ድሒና ጥንካረ ኢትዮጵያ ኣብ ዝተረጋገፀሉ ዓመት እዚ በዓል ምኽባሩ፥ ህዝቢ ኢትዮጵያ ብሕብረ ብሄራዊነት እናተመርሐ ዘላቒ ረብሕኡ የረጋግፅ ከምዘሎ ዘርእይ ኢዩ ኢሉ።

እቲ በዓል ብሄር ብሄረሰባትን ህዝብታትን ኢትዮጵያ ሓደን ብዙሓትን ከምዝኾኑ እናሓሰብና ክነኽብሩ ይግባእ ኢሉ ኣብ መግለፂኡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.