Fana: At a Speed of Life!

ኣብ መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝሳተፉ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላትን ከንቲባታት ከተማን ናብ ሃዋሳ ይኣትዉ ኣለዉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፅባሕ ኣብ ዝኽበር መበል 17 መዓልቲ ብሄር፣ ብሄረሰባትን ህዝብታትን ዝሳተፉ ርእሳነ ምምሕዳር ክልላት፣ ከንቲባ ምምሕዳራት ከተማን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ናብ ሃዋሳ ይኣትዉ ኣለዉ።

ምክትል ፕሬዚዳንት ፓርቲ በልፅግና ኣይተ ኣደም ፋራህ ሓዊሱ ኣባላት ፈፃሚ ስራሕ እቲ ፓርቲ እወን ናብታ ከተማ ከምዝኣተዉ ተገሊፁ።

እቶም ኣጋይሽ ኣብ ሃዋሳ እንትበፅሑ ርእሰ ምምሕዳር ክልል ሲዳማ ኣይተ ደስታ ሌዳሞን ካልኦት ሰብ መዚ እቲ ክልልን ኣቀባብላ ገይረሙሎም።

እቲ በዓል ካብ ዝተፈላለዩ ክፋላት ሕብረተሰብ ኣብ ዝተረኸብሉ ኣብ ስታዲዮም ሃዋሳ ፅባሕ ክኽበር ኢዩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.