Fana: At a Speed of Life!

ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሓምዶክ ተዛቲዮም

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ብምክትል ኢታማዦር ሹም ፌዴሪኢ ጄኔራል ብርሃኑ ጁላ ዝምራሕ ጉጅለ ልኡኽ ኢትዩጵያ ኣብ ሱዳን ዕላዊ ዑደት ስራሕ የሳልጥ ኣሎ።

እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሓምዶክ ዝተፈተነ መጥቃዕቲ ብዝምልከት ካብ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝተልኣኸ መልእኽቲ ኣብፂሑ።

ብተወሳኺ ኣብታ ሃገር ኣብ ዘካየዶ ዕላዊ ዑደት ስራሕ፥ ምስ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣብደላ ሓምዶክ፣ ሚኒስትር ምክልኻል ሃገር ጄኔራል ጀማለዲን ኦማርን ኤታማዦር ሹም እታ ሃገር ጄኔራል ዑስማን መሓመድን ተዛቲዩ።

ኣብ ቀረባ እዋን ኣብ ልዕሊ ቀዳማይ ሚኒስትር ሱዳን ኣብደላ ሓምዶክ ዝተገበረ ፈተነ ቅትለት ዝሖነነ እቲ ጉጅለ ልኡኽ፥ ኢትዮጵያ ኣብ ጎድኒ ሱዳን ከምእትስለፍ ኣፍሊጡ።

“ኣብ ሱዳን ዝርአ ሰላምን ምዕባለን ይኹን ኣብታ ሃገር ዘጋጥም ፀገም ንኢትዮጵያ እውን ይምልከት ኢዩ” እውን ኢሉ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.