Fana: At a Speed of Life!

ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ-ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ

ኣዲስ ኣበባ፣ 28 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ ክብላ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ ዘውዴ ተዛሪበን።

ግብርና ኢትዮጵያ ናብ ዝለዓለ ብርኪ ንምስግጋር ክሳብ ሐዚ ብዝተገበሩ ፃዕሪታትን ብዝተረኸቡ ውፅኢታትን ከምኡውን ኣብቲ ከይዲ ብዝነበሩ ክፍተታትን ኣብ ቀፃሊ ትኹረት ክግበረሎም ዝግብኡ ጉዳያት ብዝምልከት ዘተ ይግበር ኣሎ።

እቲ መድረኽ “ንዝበለፀ ውፅኢት ግብርና ምቕራፅ” ዝብል መሪሕ ቃል ዘለዉ ኢዩ።

ኣብቲ መድረኽ ዝተረኸባ ፕሬዚዳንት ሳህለወርቅ፣ ሚኒስትር ግብርና ዑመር ሁሴን፣ ተወከልቲ ዓለም ለኸ ትካላትን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ተረኺቦም።

እተን ፕሬዚዳንት፥ ብምግቢ ዓርስኻ ምኽኣል መሰረታዊ ድልየት ህዝቢ ካብ ምምላእ ብዝሓለፈ ክብሪ ሃገር ምሕላው ኢዩ ኢለን።

ኢትዮጵያ ንሕርሻ ዝኸውን 36 ሚሊየን ሄክታር ከምዘለዋ ገሊፀን።

ካብዚ እቲ 13 ነጥቢ 4 ሚሊየን ሀረክታር ጥራሕ ብሕርሻ ከምዝሽፈን ተዛሪበን።

ብመሰረት እዚ ካብ ዝገጠመና ፀገም ንምውፃእ ብምግቢ ዓርስና ምኽኣል ግድን ኢዩ ኢለን።

ነዚ ድማ ዘለና መሬት ብኣግባቡ ምጥቃምን ፍሪያት ግብርና ምስሳንን ከምዝግባእ ኣገንዚበን።

ብየሻንበል ምህረት

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.