Fana: At a Speed of Life!

መስመር ሓይሊ ኤሌክትሪክ መቐለ ምስ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ ተራኺቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 27 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ልዕሊ ሓደ ዓመት ካብ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ ተቛሪጡ ዝፀንሐ ብሄራዊ ማእኸል መስመር መቆፃፀሪ ሓይሊ (ግሪድ) ከተማ መቐለ ምስ ብሄራዊ ቋት ሓይሊ ከምዝተራኸበ ሓይሊ ኤሌክትሪክ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

እቲ መስመር ምስ ብሄራዊ ማእኸል መቆፃፀሪ ሓይሊ ተራኺ ዘሎ÷ ካብ ኣላማጣ መኾኒ ብዝዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት ልዑል መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ ፅገና ምስተዛዘመ ኢዩ፡፡

እቲ መስመር ተፀጊኑ ኣገልግሎት ምሃብ ምጅማሩ÷ ኣብቲ ክልል ሓይሊ ኤሌክትሪክ መሊስካ ንምጅማር ዝተጀመረ ስራሕ ዘቀላጥፍ ከምዝኾነ ምግላፁ ግዜኢ ፀብፂቡ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ካብ ሑመራ ክሳብ ሽረ ዝተዘርገሐ በዓል 230 ኪሎ ቮልት መመሓላለፊ መስመር ሓይሊ ፅገንኡ ከምዝዛዘመ ተሓሩ፡፡

ይኹን እምበር ንሽረ ሓይሊ ዝህብ ካብ ተከዘ ናብ ኣኽሱም ዝተዘርገሐ መስመር ኣብ ሸሞንተ ቦታታ ልዑል ጉድኣት ስለዝበፅሖ እቲ ፅገና ናብ ጣቢያ መፈልፈሊ ሓይሊ ከምዝተፀምበረ ተገሊፁ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.