Fana: At a Speed of Life!

ኣይተ ደመቀ፥ ኢስዋቲኒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንዘርኣየቶ ሚዛናዊ ቅዋም አመስጊኖም

ኣዲስ ኣበባ፣ 19 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ምክትል ቀዳማይ ሚኒስትርን ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢን ኣይተ ደመቀ መኮነን ምስ ሚኒስትር ጉዳያት ወፃኢ  ኢስዋቲኒ ዝኾና ቱሊሲል ድላድላ ተዛቲዮም።

ኣብቲ መድረኽ ኣብ ክልቲኣዊን ዞባዊን ጉዳያት ኢትዮጵያን ኢስዋቲኒን ተላዚቦም።

ኣይተ ደመቀ ኣብ ደቡብ ኣፍሪካ ብዛዕባ ዝተሳለጠ ስምምዕነት ሰላም ብዝምልከት መብርሂ ሂቦም።

መንግስቲ ኢትዮጵያ ብመሰረት እቲ ስምምዕነት ዘላቒ ሰላም ንምምፃእ ንተግባራዊነቱ በዕቱብ ከምዝሰርሕ ተዛሪቦም።

ኢስዋቲኒ ኣብ ጉዳይ ኢትዮጵያ ንዘርኣየቶ ሚዛናዊ ቅዋም አመስጊኖም።

ቱሊሲል ድላድላ ብግደአን፥ ብመሰረት እቲ ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም ንምንግስቲን ህዝብን ኢትዮጵያ እንኳዕ ደስ በለኩም ኢለን።

ሃገረን ንተግባራዊነት እቲ ስምምዕ ኣድላዪ ደገፍ ከምእትገብር ምርግጋፀን ካብ ሚኒስቴር ጉዳያት ወፃኢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.