Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣይተ ፀጋ ኣራጌ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ንክኾኑ ሽመቶም ኣፅዲቑ

ኣዲስ ኣበባ፣ 3 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ዝተፈላለዩ ሽመታት ኣፅዲቑ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ናይ ሎሚ መዓልቲ ውዕልኡ ሹመት ሚኒስትራት፣ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴሪኢን ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያን መርሚሩ ኣፅዲቑ።

ስለዝኾነ ኣይተ ፀጋ ኣራጌ ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴሪኢ ኮይኖም ንኽሽየሙ ዝቐረበ ሕፀ ኣፅዲቑ።

 

ብተወሳኺ ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ብምዃን ዝቐረቡ፦

1. ኣይተ ኣወሉ ኣብዲ…………………………..ኣካቢ

2. ወ/ሮ ኣበበች ሺከታ…………………………..ኣባል

3. ዶ/ር ኣጋረደች ጀማነህ………………………..ኣባል

4. ኣይተ ማንያዘዋል እንዳሻው……………………ኣባል

5. ዲ/ን ዳንኤል ክብረት………………………….ኣባል

6. ኣይተ ኦባንግ ሜቶ…………………………….ኣባል

7. ዶ/ር ወዳጄነህ መሃረነ………………………….ኣባል

8. ዶ/ር ኮንቴ ሙሳ……………………………….ኣባል

9. ኣይተ ጌትነት ታደሰ………………………………ፀሓፊ ብምዃን በቲ ባይቶ ተሾይሞም።

ሕፁይ ኣባል እቲ ቦርድ ብምዃን ዝቐረቡ ዲ/ን ዳንኤል ክብረት በቶም ኣባላት ዝተፈላለዩ ሕቶታት ስለዝተልዓሉዎም ንብሕቶም ድምፂ ክወሃብ ተገይሩ ኢዩ።

በቲ ዝተገበረ ምሃብ ድምፂ ድማ 148 ድጋፍ፣ 126 ተቓውሞን 24 ድምፂ ተኣቅቦን ረኺቦም ብኣብዝሓ ድምፂ ኣባል ኮይኖም ክሽየሙ ክኢሎም ኢዮም።

እቶም ሹመታት ብቀዳማይ ሚኒስትር ዶክተር ኣቢይ ኣሕመድ ዝቐረቡ እንትኾኑ፥ እቶም ተሸወምቲ ድማ ኣብ ቅድሚ እቲ ባይቶ ቀሪቦም ቃለ መሓላ ፈፂሞም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.