Fana: At a Speed of Life!

ፋብሪካ ስሚንቶ ደርባ “ሲኖማ ኢንተርናሽናል ኢንጅነሪንግ” ምስዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ስምምዕነት ከቲሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 15 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፋብሪካ ስሚንቶ ደርባ “ሲኖማ ኢንተርናሽናል ኢንጅነሪንግ” ምስዝተብሃለ ኩባኒያ ቻይና ስምምዕነት ከቲሙ።

እቲ ስምምዕነት፥ ኣብ ፕሮጀክት ምስፍሕፋሕ ፋብሪካ ስሚንቶ ብሓባር ንምስራሕ ዘኽእል ከምዘኾነ ተገሊፁ።

ኣብ ኢትዮጵያ ዘሎ ደልየት ስሚንቶ መሰረት ብምግባር ዕለታዊ 80 ሺሕ ኩንታል ንምፍራይ ዘኽአለ ዓቕሚ ንምፍጣር ዘኽእል ከምዝኾነ ተሓቢሩ።

ነዚ ድማ  282 ሚሊየን ዶላር በጀት ከምዘድሊ ኢዩ ተገሊፁ።

ሚኒስትር ዕደና ታከለ ኡማ፥ ፋብሪካ ስሚንቶ ደርባ ዝወሰዶ ስጉምቲ ምስፍሕፋሕ ዝተባባዕ ኢዩ ኢሎም።

ኣብቲ ዝግበር ስራሕ መንግስታት ፌዴራልን ክልልን ሓገዝ ከምዝገብሩ ድማ ተዛሪቦም።

ብይስማው አደራው

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.