Fana: At a Speed of Life!

ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኣብ ናይ ፅባሕ ኣኼብኡ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012 (ኤፍ.ቢ.ሲ)ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴሪኢ ኣብ ናይ ፅባሕ ሓምሻይ ዘመን መበል 14 ስሩዕ ኣኼብኡ ሹመት ሚኒስትራት መርሚሩ ከፅድቕ ኢዩ።

እቲ ባይቶ ኣብ ዘካይዶ ስሩዕ ኣኼባ፥ ኣብ ዝተፈላለዩ ኣጀንዳታት ብምዝታይ ውሳነ ከመሓላልፍ ኢዩ ተባሂሉ ትፅቢት ይግበር።

ብመሰረት እዚ ሹመት ሚኒስትራት፣ ሹመት ኮሚሽነር ኮሚሽን ስነ ምግባርን ፀረ ግዕዝይናን ፌዴሪኢ ከምኡ’ውን ሹመት ኣባላት ኣመራርሓ ቦርድ ትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ መርሚሩ ከምዘፅድቕ ካብ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

እዋናውን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!

https://t.me/tigrignafana

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.