Fana: At a Speed of Life!

ብምኽንያት ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ክልተ ህፃናት እንትሓልፍ ኣብ ሓደ ሰገን ድማ ጉድኣት ኣካል ኣጋጢሙ

ኣዲስ ኣበባ፣ 14 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ከተማ ኣዲስ ኣበባ ብዘጋጠመ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ህይወት ክልተ ህፃናት እንትሓልፍ ኣብ ሓደ ሰገን ድማ ጉድኣት ኣካል ከምዘብፀሐ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓዊን ስግኣት ሓደጋን ኣፍሊጡ።

በዓል ሞያ ርክብ ህዝቢ እቲ ኮሚሽን ንጋቱ ማሞ ከምዝገለፁዎ÷ ትማሊ ምሸት ሰዓት 2ን 2 ደቒቕን ኣብ ክፍለ ከተማ ኣቃቂ ቃሊቲ ወረዳ 7 ከባቢ መንበሪ ገዛ ጨፌ ስላሴ ብዝበፅሐ ሓደጋ ባርዕ ሓዊ ደቂ ሰለስተን ኣርባዕተን ዕድመ ህፃናት ህይወቶም ሓሊፉ፡፡

ካብዚ ብተወሳኺ ኣብ ልዕሊ ሓደ ሰገን ጉድኣት ኣካል ከምዘጋጠመ ተዛሪቦም፡፡

ኣብቲ እዋን ዘይነበረ ኣገልግሎት ኤሌክትሪክ ንትካእ ዝተወለዐ ሽምዓ፤ መበገሲ እቲ ሓደጋ ከምዝኾነ እውን ተሓቢሩ፡፡

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.