Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ዘድሃበ ዘተ ይሳለጥ ኣሎ

ኣዲስ ኣበባ፣ 2 መጋቢት፣ 2012(ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ረቂቕ ኣዋጅ ሰነድ ሓፈሻዊ ትምህርቲ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዘድሃበ ዘተ ኣብ ከተማ ኣዳማ ይሳለጥ ኣሎ።

እቲ መድረኽ ዘተ ብሚኒስትር ትምህርቲ ዶክተር ኢንጂነር ጌታሁን መኩሪያ ዝተኸፈተ እንትኸውን፥ በቲ ዝቐረበ ረቂቕ ኣዋጅ ምስ ተሳተፍቲን መዳርግቲ ኣካላትን ልዝብ እናተገበረሉ ይርከብ።

ኣብቲ እናተሳለጠ ዝርከብ መድረኽ ላዕለዎት ኣመራርሓታትን ሰብ ሞያታትን ሚኒስቴር ትምህርቲ፣ ሰብ ሞያታትን ምክትል ቢሮ ሓለፍቲን ክልላት፣ ሓለፍቲ ኮሌጅ ትምህርቲ መምህራንን ካልኦት መዳርግቲ ኣካላትን ከምዝተረኸቡ ካብ ሚኒስቴር ትምህርቲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ።

ኣብ ቀፃሊ እዋን ምስ ካልኦት መዳርግቲ ኣካላት ተወሳኺ መድረኽ ዘተ ከምዝካየድ እውን ተገሊፁ።

እዋናዊን ሓዱሽን ሓበሬታ ንምርካብ ናይ ቴሌግራም ገፅና ሰብስክራይብ ይግበሩ/ራ!
https://t.me/tigrignafana

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.