Fana: At a Speed of Life!

ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ላዕለዋይ ኣገልግሎት ድሕንነት ሱዳንን ብሓባር ንምስራሕ ተስማዕሚዖም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 12 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ብዳይሬክተር ጀነራ ብሄራዊ ኣገልግሎት ሓበሬታን ድሕንነትን ተመስገን ጥሩነህ ዝተመርሐ ልኡኽ ምስ ዳይሬክተር ጀነራል ላዕለዋይ ኣገልግሎት ድሕንነት ሱዳን ኣሕመድ ኢብራሂም ኣሊ ሙፍዲን ካልኦት ኣመራርሓታት እቲ ትካልን ኣብ ሓበራዊ ጉዳያ ሓበሬታን ድሕንነትን ኣድሂቦም ኣብ ካርቱም ተዛቲዮም።

ኣብ ዘተኦም ድማ ክልቲኦም ትካላት ርክቦም ኣጠናኺሮም ብሓባር ምስረሖም ኣብ ምርግጋፅ ሰላም ድሕንነትን ህዝቢ ክልቲአን ሃገራት ኣብ ዝህልዎ ኣስተዋፅኦ ተመያይጦም።

ድሕሪ እቲ ዘተ ድማ ክልቲኦም ትካላት ሓበራዊ ኣብ ዝኾኑ ጉዳያ ሓበሬታ ንምልውዋጥን ብሓባር ንምስራሕን ዘኽእሎም ሰነድ ስምምዕነት ከምዝኸተሙ እቲ ኣገልግሎት ንመራኸብቲ ሓፋሽ ኣብ ዝለኣኾ ሓበሬታ ኣመልኪቱ።

ዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.