Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ንዝተመዛበሉ ዜጋታ 590 ሚሊየን ብር ሓገዝ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 9 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ኣብ ክልል ቤኒሻንጉል ጉሙዝ ብተፈጥሮኣዊን ሰብ ስራሕን ሓደጋታት ንዝተመዛበሉ ዜጋታ 590 ሚሊየን ብር ሓገዝ ገይሩ።

እቲ ሓገዝ ሚኒስትር ከተማን መሰረተ ልምዓትን ጫልቱ ሳኒ ንርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ኣረኪበንኦ፡፡

እቲ ሚኒስቴር ብመርሃ ግብሪ ቅልጡፍ ምላሽ ሓደጋ ነቲ ክልል ዝገበሮ ሓገዝ ኣብ ከለተማታት ዘሎ ፅዕንቶ ዝፈትሕ ኢዩ ተባሂሉ።

ሚኒስትር ጫልቱ ሳኒ÷ እቲ ሓገዝ ንተጎዳእቲ ብቐጥታ ንኽበፅሕ መንግስቲ እቲ ክልል ትኹረት ገይሩ ንኽሰርሕ ኣገንዚበን።

ኣይተ ኣሻድሊ ሓሰን ብግደኦም÷ እቲ ሚኒስቴር ንምዕባለ ከተማታትን ንተመዛበልቲን እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ዝነኣድ ኢዩ ክብሉ ተዛሪቦም።

እቲ ሓገዝ ኣብ ዝተፈላለያ ከተማታት ዝተመዛበሉ ልዕሊ 10 ሺሕ ዜጋታት ተረባሕቲ ከምዝገብር ተሓሩ፡፡

ብወንድሙ ኣዱኛ

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.