Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተዋፈሩ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቻይና ዘተ ተገይሩ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ኢትዮጵያ ምስ ዝተዋፈሩ ዓበይቲ ኩባኒያታት ቻይና ዘተ ተገይሩ።

እቲ መድረኽ ዘተ፥ እቶም ኩባኒያታት ዘጋጥምዎም ዘለዎ ፀገማትን ኣብ ፖሊስን ሕግን መነግስቲ ብዛዕባ ዝህልዎም ሕቶታትን ምላሽ ኣብ ምሃብ ዝጠመተ ከምዘኾነ ተገሊፁ።

ኮሚሽነር ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ ለሊሴ ነሜ፣ ሚኒስትር ዴኤታ ሚኒስቴር ገንዘብ ወ/ሮ ሰመሬታ ሰዋሰውን ካልኦት ላዕለዎት ሓለፍቲ ስራሕ መንግስቲን ኣብቲ መድረኽ በምርካብ ምላሽ ሂቦም።

ዓውዲ መሰረተ ልምዓት፣ ፋይናንስ፣ ፀጥታ ፣ ኣገልግሎትን ኣብ ሕጊን ፖሊስን ዝረኣዩ ከፍተታት ንምእራም ኣብ ኩሎም መሓዉራት መንገስቲ ናይ መስረኻኸሊ ስራሕ ከምዝስራሕ ኣንፈት ኣቐሚጦም።

ኩሎም ትካላት ብሓባር ጠንካራ ዝኾነ ስራሕቲ ድጋፍን ክትትልን ከምዝገብሩ እውን ተዛሪቦም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.