Fana: At a Speed of Life!

ናብ ትግራይ ናውቲታት ሕክምና ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 8 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ናብ ትግራይ ናውቲታት ሕክምና ናይ ምቕራብ ስራሕ ተጠናኺሩ ከምዝቐፀለ ሚኒስቴር ጥዕና ኣፍሊጡ።

መነግስቲ ምስ ዓለም ለከ ትካላት ብምዃን ኣቕርቦት ሰብኣዊ ሓገዝ ይገብር ከምዘሎ ሓቢሩ።

ብመሰረት እዚ ኣብ ፈላማይ ዙር፥ እቲ ሚኒስቴር ምስ ብሄራዊ ኮሚሽን ኣመራርሓ ስራሕ ሓደጋ ብምዃን  6 ሚሊየንን 433 ሺሕን 408 ብርን 47 ሳንቲምን ግምታዊ ዋጋ ዘለዎም መድሓኒታትን እታዎታት ሕክምናን ናብ ሽረ ከምዘቕረበ ተሓቢሩ።

ኣብ ካልኣይ ዙር ድማ ለዕሊ 1 ሚሊየን በር ግምት ዋጋ ዘለዎም እታዎታት ኣገልግሎት ሕክምና ብምልኣኽ ንሆስፒታል ሽረን ትሽዓተ ጣቢያታት ጥዕናን ብምብፃሕ ማሕበረሰን ኣገልግሎት ጥዕና ንክረክብ ከምዝተገበረ ገሊፁ።

ንሳልሳይ ግዘ፥ ልዕሊ 1 ነጥቢ 7 ሚሊየን ብር ዝግመቱ መድሓኒታት ሕክምናን ናውቲታት ሕክምናን ኣብ ምጉዕዓዝ ከምዝርከብ እቲ ሚኒስቴር ገሊፁ።

ኣብዚ ሰሙን ብዓለም ለኸ ማሕበር ቀይሕ መስቀል ኣቢሉ 33 ነጥቢ 9 ሜትሪክ ቶን መሰረታዊ ናውቲታት ሕክምና፣ ህፁፅ ግዘ መድሓኒትን መሳርሒታት መጥባሕቲን ዝፀዓና ከልተ ተሽከርከርቲ ናብ መቐለ ምብፀሐን ሓቢሩ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.