Fana: At a Speed of Life!

ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ከምዝፍታሕ ፅኑዕ ቅዋም ኣለና – ቀ/ሚ ኣቢይ ኣሕመድ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ዝፍታሕ ኢዩ ዝብል ፅኑዕ ቅዋም ኣለና ክብሉ ቀዳማይ ሚኒስትር ፌዴሪኢ ኣቢይ ኣሕመድ ገሊፆም።

እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ዝተልዓሉሎም ሕቶታት ብመንፅር ዲፕሎማሲ ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ÷ “ፀገም ኣፍሪካውያን ብኣፍሪካውያን ከምዝፍታሕ ፅኑዕ ቅዋም ኣለና፤ ካልኦት እውን እዚ እናሰጎሙ ይርከቡ” ኢሎም።

“ኣብ ዝሓለፉ ሰለስተ ኣዋርሕ ምስ ጎረባብትና ፅቡቕ ርክብ ፈጢርና ኢና፤ ክጠናኸሩ ዝግበኦም ጉዳያት እውን ኣለዉ” ክብሉ ገሊፆም።

ኣፍሪካውያን ኣብቲ ድርድር  ሓገዝ ከምዝገበሩ ዝሓበሩ እቶም ቀዳማይ ሚኒስትር÷ ኣሜሪካን ሃገራት ኣውሮፓ ሓዊሱ ካልኦት ሃገራት እውን ሓገዝ ከምዝገበሩ ገሊፆም።

ኣገልግሎት ዝህቡ ኣካላት ንሃገሮም ዲፕሎማሰኛታት ከምዝኾኑ ክርድኡ ከምዝግባእ ኣገንዚቦም።

ብዛዕባ ዲጂታል ዲፕሎማሲ ኣመልኪቶም ኣብ ዝሃቡዎ መብርሂ ድማ÷ “50 ሺሕ ዝኾኑ ሙሁራንን 50 ዩኒቨርሲቲታትን ኣለዉና፤ እቶም ሙሁራት ሓደ ሓደ ገፅ ንሃገሮም እንተዝፅሕፉ ዓብዪ ስራሕ ምስራሕ ይከኣል ኢዩ” ኢሎም።

ማሕበራት ታክሲ ኣዲስ ኣበባ ዝበረታታዕ ስራሕ እናሰርሑ ከምዝርከቡ ብምሕባር ካልኦት እውን ነዓዓቶም ንኽመስሉ ፀዊዖም።

ብሄራዊ ኮሚሽን ምኽክር ኣብ ዝምልከት÷ “እቲ ኮሚሽን ሕዚ ዘለዎ ደረጃ፤ እቲ ፓርላማ ኣመራርሓ ፀዊዑ መብርሂ ክሓትት ከምዝኽእል ገሊፆም።

“ይኹን እምበር እቲ ብሄራዊ ምኽክር ዕዉት ንኽኸውን ካብ ኣመራርሓታት እቲ ኮሚሽን ሓሊፉ ኩሉ ዜጋ ናይ ባዕሉ ግደ ከበርክት ይግባእ” ክበሉ ኣገንዚቦም።

መፍትሒ ተኮር ኣብ ዝኾኑ ጉዳያት ትኹረት ብምግባር ነቲ ኮሚሽን ምሕጋዝን ብሓባር ምስራሕን ከምዝግባእ እውን ኣተሓሳሲቦም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.