Fana: At a Speed of Life!

መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኤምባሲታት ወተሃደራዊ “ኣታሼታት” ብዛዕባ ስምምዕነት ሰላም መብርሂ ተዋሂቡ

ኣዲስ ኣበባ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)መቐመጢኦም ኣብ ኣዲስ ኣበባ ንዝገበሩ ኤምባሲታት ወተሃደራዊ “ኣታሼታት” ብዛዕባ ስምምዕነት ሰላም መንግስቲ ፌዴራልን ህወሓትን መብርሂ ተዋሂቡ።

ነቲ መብርሂ ዝሃቡ ዳይሬክተር ርክብ ወፃኢን ወተሃደራዊ ምትሕብባርን ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሜጀር ጄነራል ተሾመ ገመቹ፥ ሎሚ ኢትዮጵያ ኣብ ሓዱሽ ምዕራፍ ተስፋ ትርከብ ኢሎም።

እቲ ስምምዕነት ሰላም ጎንፂ ብዘላቕነት ደው ናይ ምባል ስምምዕነት ከምዝኾነ እውን ሓቢሮም።

ሰራዊት ምክልኻል ሃገር ሉእላውነት ኢትዮጵያ ናይ ምኽባር ስርሑ ከምዝቕፅል ድማ ኣረጋጊፆም።

ሰብኣዊ ደገፍ ኣብ ትግራይ፣ ኣምሓራን ዓፋርን ብዝተቐላጠፈ መገዲ ንክበፅሕ ዝግበር ፃዕሪ ከምዘጠናኽር ተዛሪቦም።

እቲ ሰራዊት ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ትግራይ ገንዘብ ብምትእኽኻብ፣ ኣገልግሎት ሕክምና ይህብ ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ዝተመዛበሉ ዜጋታት ናብ መረበቶም ናይ ምምላስ ስራሕ ይስራሕ ከምዘሎ ምዝራቦም ኢቢሲ ፀብፂቡ።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.