Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2015 ዓ.ም ሓፈሻዊ ዓመታዊ ዕብየት ናብ 7.5 ሚኢታዊ ንክበፅሕ ትልሚ ብምሓዝ ይስራሕ ኣሎ-ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ

ኣዲስ ኣበባ ፣ 6 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)6ይ ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ፌዴራላዊ ዴሞክራያዊ ሪፐብሊክ ኢትዮጵያ 2ይ ዓመት ዘበን ስራሕ ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብ ዝተረኸቡሉ 4ይ ስሩዕ ኣኼቡኡ የካይድ ኣሎ።
ቀዳማይ ሚኒስትር ኣቢይ ኣሕመድ ኣብቲ መድረኽ ተረኺቦም ካብ ኣባላት ባይቶ ወከልቲ ህዝቢ ኢኮኖሚ በዝምልከት ንዝተልዓለ ሕቶታት ኣብ ዝሃብዎ ምላሽ፥ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት ብውሽጣዊ ኲናትን ዓለም ለኻዊ ፀገማትን ፅዕንቶ ኣጋጢሙዋ ኢዩ ኢሎም።
ይኹን እንበር እቲ ዝነበረ ፅዕንቶታት ብምፅዋር ኣብዚ ሐዚ እዋን ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ 2014 ዓ.ም 126 ነጥቢ 7 ቢሊየን ዶላር ከምዝበፅሐ ተዛሪቦም።
ነብሲ ወከፍ ኣታዊ እንትንርእይ እውን 1212 ዶላር በፂሑ ኣሎ።
ኢትዮጵያ ካብ ምብራቕ ኣፍሪካ ግዙፍ ኢኮኖሚ ዝወነነት ሃገር ምዃና ባንኪ ዓለም ኣብ ፀብፃቡ ገሊፁ ኢዩ ኢሎም።
ናይ ዝሓለፈ ዓመት ዓመታዊ ዕብየት (GDP) 6.4 ሚኢታዊ ዝተመዝገበ እንትኸውን፥ ኣብ 2015
ዓ.ም ናብ 7.5 ሚኢታዊ ንክበፅሕ ትልሚ ሒዝና ንሰርሕ ኣለና ክብሉ ገሊፆም።
ሩዝ ክሳብ 5 ሚሊየን ነእቲ ነይርና፤ 8 ሚሊየን ኩንታል ካብ ውሽጢ ሃገር ተፅቢት ይግበር።
እዚ ማለት ሩዝ ካብ ወፃኢ ዓዲ ኣይነእትን ስለዝኾነ ኣብ ኢትዮጵያ ካብ 70 ክሳብ 80 ኩንታል ብሄክታር ተረኺቡ ኣሎ ኢሎም።
ኣብ ቀፃሊ ናብ ወፃኢ ንምልኣኽ ዘኽእል ኩነታት ከምዝተፈጠረ ተዛሪቦም።
ብፍራምረ ኢትዮጵያ ምቹእ ኩነታት ከመዘለዋ ከምዝተረጋገፀ አወን ሓቢሮም።
እዚ ኩነታት ኣብ ኢትዮጵያ ዝነበረ ኲናትን ለበዳ ኮረናን ኣዝዮም ፈተንቲ እኳ አንተነበሩ፥ ከም ህዝብን መንግስቲን ጠንኪርና ንክንሰርሕ ግን ኣኽኢሉና ኢዩ ኢሎም።
ኣብ ኢትዮጵያ ብፍላይ ኣብ ስራሕቲ ግብርና ሓረስታይን ብዕራይን ክፈላለዩን ሓረስቶት ነዚ ዝትክእ ቴክኖሎጂ ክጥቀምን ምግባር ዝብል ከም መንግስቲ ኣንፈት ሒዙ ይሰርሕ ከምዘሎ ተዛሪቦም።

ኣብ ዓውዲ ኢንዱስትሪ ሎሚ ዘበን 4 ነጥቢ 9 ሚኢታዊ ዕብየት ንምምዝጋብ ትልሚ ተታሒዙ ይስተጨራሕ ኣሎ ኢሎም።

ሜጋ ፕሮጀክትታት ብሙሉኡ መንግስቲ ብመሰረት ዝኣተዎ ቃል ይፍፀም ከምዘሎ ኣብሪሆም።

ናህሪ ዋጋ ብዝምልከት ኣብ ዝሃብዎ መብርሂ፥ እዚ ጉዳይ ናይ ዓለም ፈተና ኢዩ ኢሎም።

ነዚ ድማ ኣብ ኣቕርቦትን ድልየትን ዘሎ ዘይምጥዕዓም፣ ብምኽኒያት ጎንፂን ካሊእን ፍሪያት ናብ ዝድለ ዕዳጋ ንከይበፅሕ ከምዝገበረ ብምግላፅ እዚ ድማ ናህሪ ዕዳጋ ከምዘስዓበ ገሊፆም።

ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ናህሪ ዕዳጋ ኣብ ምቕናስ ይስራሕ ከምዘሎ ግልፂ ኢዩ ኢሎም።

ኢትዮጵያ ልዕሊ 9 ነጥቢ 5 ሚሊየን ተምሃሮ ኣብ መዓልቲ ክልተ ግዘ ትቕልብ ከምዘላ ኣብሪሆም።

ሕቶ ዩንቨርስቲ ይከፈተልና ብዝምልከት ኣብ ዝሓለፉ ኣርባዕተ ዓማውቲ ኣይከፈትናን፤ ሐዚ እውን ናይ ምኽፋት ደልየት ኣይብልናን።

እቲ ገንዘብ ናብ ታሕቲ ብምውራድ ላዕለዎት ካልኣይ ብርኪ ኣብያተ ትምህርቲን መዋእለ ህፃናትን ሃኒፅና ኢና እዚ ውን ክቕፅል ኢዩ ኢሎም።

መኣዲ ምክፋል ብዝምልከት ብፍላይ ኣብ ኣዲስ ኣበባ ብዙሓት ተረባሕቲ ከምዝኾኑ ሓቢሮም።

ስለዝኾነ 30 ሺሕ ዜጋታት ብቐዋምነት ዝምገቡሉ ኩነታት ከምዝተመቻቸወ ገሊፆም።

ይኹን እንበር ሐዚ እውን ምትእስሳር ኢኮኖሚ ቀንዲ ዕንቅፋት ኮይኑ ይቕፅል ከምዘሎ ብምግላፅ ነዚ ኣብ ምፍታሕ ስራሕ ክስራሕ ኣለዎ ኢሎም።

መንግስቲ ናህሪ ዋጋ ንምቕናስ ከም መፍትሒ ዝሓሰቦም ሓሙዕተ ተግባራት፥ ብኽነት ምቕናስ፣ መኣዲ ምክፋል፣ ምፍራይ፣ ምዕቃብን ምፍራይን ኢዩ ኢሎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.