Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ሪል እስቴታት ዝህነፁ ኣባይቲ ካብ ትሑት መነባብሮ ክሳብ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ዜጋታት ተሓሳቢ ክገብሩ ከምዝግባእ ተሓቲቱ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሪል እስቴታት ዝህነፁ ኣባይቲ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ጥራሕ ዘይኮነስ ትሑት እቶት ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ እውን ተሓሳቢ ክገብሩ ከምዝግባእ ተሓቲቱ።

ሚኒስቴር ከተማን መሰረተ ልምዓትን÷ ኣብ ኢትዮጵያ ኣብ ልምዓት ሪል ስቴት ዝተዋፈሩን ኣብቲ ዓውዲ ዝምልከቱ ሓፈሻዊ ጉዳያትን ከምኡ እውን ቀፀልቲ ኣንፈታት ኣድሂቡ ዘትዩ፡፡

ሚኒስትር ዲኤታ እቲ ሚኒስቴር ወንድሙ ሴታ ከምዝገለፁዎ÷ ኢትዮጵያ ኣብ ዝቕፅሉ ዓሰርተ ዓማውቲ ብምጣነ ከተማነት ካብ ሞንጎ ዝማዕበላ ሃገራት ክትምደብ ቀረብ ኣባይቲ ወሳኒ ኢዩ፡፡

ፀገም መንበሪ ኣባይቲ ንምፍታሕ÷ ካብ ዝተለመደ ስርዓት ኣሰራርሓ ምውፃእ፣ ሓደሽቲ ቴክኖሎጂታት ምፍጣር፣ እታወታት ህንፀት ብናውቲ ውሽጢ ዓዲ ምጥቃምን ምስ ፅሬት፣ በጀትን ግዘን ተተሓሒዞም ዝረኣዩ ፀገማት ምውጋድ ከምዘድሊ ገሊፆም፡፡

ኣብ ዘፈር ሪል እስቴት ዝህነፁ ኣባይቲ ልዑል ኣታዊ ዘለዎም ነበርቲ ጥራሕ ዘይኮነስ ማእኸላይን ትሑት ኣታዊ ዘለዎም ክፋላት ሕብረተሰብ ተበፃሒ ክገብሩ ይግባእ ምባሎም ካብቲ ሚኒስቴር ዝረኸብናዮ ሐበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.