Fana: At a Speed of Life!

ኣብ 2ይ ኲናት ዓለም ዝተሳተፋ ክልተ ኣውሮፕላናት ተጋጭየን ከምዝተሓምሸሻ ተገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ 2ካልኣይ ኲናት ዓለም ዝተሳተፋ ክልተ ደርበይቲ ቁምቡላ ኣውሮፕላናት ኣሜሪካ ተጋጭየን ከምዝተሓምሸሻ ተገሊፁ።

እተን ታሪኻውያን ኣውሮፕላናት÷ ኣብ ከተማ ዳላስ ምርኢት ኣየር እናርአያ ኣብ ዝነበራሉ እዋን ከምዝተጋጨዋ ተሓቢሩ፡፡

ብዝተፈጠረ ሃንደበታዊ ሓደጋ ድማ ህይወት ሽዱሽተ ሰባት ከምዝሓለፈ ተገሊፁ፡፡

መበገሲ አቲ ሓደጋ እተን ኣውሮፕላናት ኣብ ተመሳሳሊ መስመር በረራ ብምኽታለን ከምዝኾነ መርመርቲ ይግለፁ እምበር፤ ንምንታይ ዝብል ሕቶ ግን ክሳብ ሕዚ መልሲ ከምዘይተረኸበ ዘ ናሽናሽናል ፀብፂቡ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.