Fana: At a Speed of Life!

ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመ ኣብ ክልል ጋምቤላ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ከመዘጠናኽር ገሊፁ

ኣዲስ ኣበባ፣ 5 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውድብ ሕሕቡራት መንግስታት ኣብ ክልል ጋምቤላ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ከመዘጠናኽር ዳይሬክተር ድሕንነት እዋን ሓደጋን ቀረብን እቲ ትካል ሾኮ ሺሞዛዋ ገሊፀን።

እተን ዳይሬክተር ኣብ ክልል ጋምቤላ ብሓገዝ እቲ ትካል እናተሳለጡ ዝርከቡ ኢኮኖሚያዊን ማሕበራዊን ዓውዲታት ኣመልኪተን ምስ ርእሰ ምምሕዳር እቲ ክልል ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ተዛቲየን፡፡

ኣይተ ኡሞድ ኡጁሉ ኣብ እዋን እቲ ዘተ ከምዝገለፁዎ÷ እቲ ትካል ኣብቲ ክልል ማሕበራዊን ኢኮኖሚያዊ ዓውዲታት ብዝገበሮም ሓገዛት ብዙሓት  ውፅኢታት ተመዝጊቦም፡፡

ኣብ ቀፃሊ ኣብቲ ክልል ብውሕጅ ጉድኣት ዝበፅሖም ወገናት ብምድጋፍን ካልኦት ዓውዲታትን ሓገዙ ንኸጠናኽር ሓቲቶም።

ሾኮ ሺሞዛዋ ብግደአን÷ ላዕለዋይ ኮሚሽን ስደተኛታት ውሕመ ኣብ ክልል ጋምቤላ እናገበሮ ዝርከብ ሓገዝ ኣጠናኺሩ ከምዝቕፅል  ገሊፀን።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.