Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል 21 ሚሊየን ብር ለጊሶም

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝነብሩ ኢትዮጵያውያን ንዳግመ ህንፀት ዝውዕል 21 ሚሊየን ብር ለጊሶም።

ኣምባሳደር ኢትዮጵያ ኣብ ስዒድ ዓረብ ሌንጮ ባቲ÷ ኣብ መርሃ ግብሪ መዛዘሚ ምትእኽኻብ እቶትን ምስጋናን ተረኺቦም ዕዙዝ ተሳትፎ ንዝገበሩ ኣባላት ዳያስፖራን ውዳበታትን ምስጋናን ምስክር ወረቐትን ሂቦም፡፡

ኣበቲ እዋን ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ÷ ኣብ ስዑድ ዓረብ ዝርከቡ ኢትዮጵያውያን ኣብ ውሽጢ ዘይምቹው ኩነታት ኮይኖም ንዝገበሩዎ ወገናዊ ሓገዝ ምስጋና ከምዝግበኦምን እቲ ሓገዝ ተጠናኺሩ ክቕፅል ከምዝግባእን ምሕባሮም ካብቲ ኤምባሲ ዝረኸብናዮ ሓበሬታ የረድእ፡፡

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም https://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrgna

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.