Fana: At a Speed of Life!

እቲ ስምምዕነት ሰላም ፍሰት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኣብ ምዕባይ ኣዋንታዊ ብፅሒት ኣለዎ – ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ   

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ሞንጎ መንግስቲ ኢትዮጵያን ህወሓትን ዝተገበረ ስምምዕነት ሰላም፤ ፍሰት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ንምዕባይ ኣዋንታዊ ብፅሒት ከምዘለዎ ኮምሽን ኢንቨስትመንት ኢትዮጵያ  ኣፍሊጡ፡፡

ክልላትን ምምሕዳር ከተማታትን ዝተሳተፍሉ፤ ሃገር ለኸ ኣፈፀምቲ ኣካላት ኢንቨስትመንት ሓባራዊ መድረኽ ምኽክር ኣብ ከተማ ጎንደር ተኻይዱ፡፡

ምኽትል ኮምሽነር እቲ ኮምሽን ኣይተ ተመስገን ጥላሁን ኣፍቲ መድረኽ ከምዝበልዎ÷ እቲ ስምምዕነት ሰላም ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ናብ ዓዉዲ ኢንቨስትመንት ንምስሓብ ምቹው ኩነታት ዝዝፈጥር እዩ፡፡

ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ካብ ዝኾነ ይኹን ንላዕሊ ሰላም ዝጠልብ ዓዉዲ ከምዝኾነ ዝሓበሩ እቶም ምክትል ኮሚሽነር÷  ሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ኣብ ሓንቲ ሃገር ኢንቨስት ንምግባር ፈለማይ ሕቶኦም ሰላምን ምርግጋዕን እታ ሃገር ምኻኑ ገሊፆም፡፡

ፍሰት ቀጥታ ኢንቨስትመንት ወፃኢ ኢትዮጵያ ኣብ ዝሓለፈ ዓመት 3 ነጥቢ 3 ቢሊየን ዶላር ምንባሩ ዝሓበሩ ኣይተ ተመስገን፤ ሎምዘበን  ናብ 6 ነጥቢ 1 ቢሊየን ዶላር ንምዕባይ ተተሊሙ እናተሰርሐ ምኻኑ ሓቢሮም፡፡

ኣብ ኢትዮጵያ ንሰብ ሃፍቲ ወፃኢ ብዙሓት መማረፂታት ኢንቨስትመንት ከምዘለዉ ዝገለፁ ኣይተ ተመስገን÷ “ብፍላይ ኣብ ዓውዲታት ሕርሻ፣ ማኑፋክቸሪንግ፣ መዓድን፣ ቱሪዝምን ዓዉዲ I C T እቶም ቀንዲ እዮም” ኢሎም፡፡

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.