Fana: At a Speed of Life!

“ኢትዮጵያ ብትዕግስቲን ጥንቃቐን ትገብሮ ውሳነ ንኩሎም ደቃ ንምጥቃም ኢዩ “- ዶ/ር ለገሰ ቱሉ

ኣዲስ ኣበባ፣ 4 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)”ኢትዮጵያ ብትዕግስቲን ጥንቃቐን ትገብሮ ውሳነ ንኩሎም ደቃ ንምጥቃም ኢዩ “ ክብሉ ሚኒስትር ኣገልግሎት ኮሙዩኒኬሽን መንግስቲ ዶክተር ለገሰ ቱሉ ገሊፆም።

እቶም ሚኒስትር ኣብ ማሕበራዊ ምትእስሳር ገፆም ኣብ ዘመሓላለፉዎ መልእኽቲ፥ “ብመንፅር ታሪኽን ተግባራዊ ልምምድን ነገራት እንተተዓዚብና ካብ ጎንፂ ናብ ዘላቒ ሰላም ዝግበር ስግግር ሂብካ ብምቕባል መምርሒ፣ ብትዕግስቲን ብልሐትን ዝምርሑ ከምዝኾኑ የሪአና” ኢሎም።

ረብሓታት ዘላቒ ሰላም ምጥዕዓም ናይ ግድን ከምዝኾነ እውን ኣመልኪቶም።

እቲ ጉዳይ ውሽጣዊ እንተኾይኑ ድማ ዝተፈለየ ትኹረትን ምስትውዓልን ከምዝሓትት እቶም ሚኒትር ኣገንዚቦም።

“ኢትዮጵያ ብትዕግስቲን ጥንቃቐን ትገብሮ ውሳነ ንኩሎም ደቃ ንምጥቃም ኢዩ ክብሉ ገሊፆም።

“ጉዳታትናን ሓዘንናን ክንርስዕ ንኽእል ይቕረ እንትንበሃሃል ኢዩ” ዝበሉ ዶክተር ለገሰ÷ እዚ ንምዕዋት ድማ ኩሎም ኢትዮጵያውያን ተሓባቢሮም ክሰርሑ ከምዝግባእ መልእኽቶም ኣመሓላሊፎም።

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.