Fana: At a Speed of Life!

ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ሽረ ዝነበሩ 7 ዘፈራት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ስረሖም ጀሚሮም

ኣዲስ ኣበባ ፣ 3 ሕዳር፣ 2015 (ኤፍ ቢ ሲ)ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ሽረ ዝነበሩ 7 ዘፈራት ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ስረሖም ከምዝጀመሩ ተገሊፁ።

እቶም ዕላዊ ስርሖም ዝጀመሩ ዘፈራት ባንኪ ንግዲ ማይካድራ፣ ሑመራ፣ ቃፍታ ፣ ኣውሮራ፣ ዳንሻ፣ ዓዲ ረመፅን ከተማ ንጉስን ምዃኖም ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣፍሊጡ።

ኣብ ማይፀብሪ፣ ባዕኸርን ዓዲሕርዲ ዘለዉ ድማ ኣብ ቀረባ እዋን ስራሕሽ ከምዝጅምሩ ተሓቢሩ።

ዳይሬክተር ኮርፖሬት ኮሚዩኒኬሽን ባንኪ ንግዲ ኢትዮጵያ ኣይተ ኣልሰን ኣሰፋ ንትካል ፕሬስ ኢትዮጵያ ከምዝበልዎ፥ ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ሽረ ተረባሒ ዝነበረ ማሕበረሰብ ንከይፅገም ተባሂሉ ንግዚኡ ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ጎንደር ብምሕቛፍ ኣገልግሎት ንክህቡ ከምዝተገበረ ገሊፆም።

ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ሽረ ዝነበሩ ዘፈራት ሙሉእ ብሙሉእ ኣገልግሎት ክሳብ ዝጅምሩ ኣብ ትሕቲ ዲስትሪክት ጎንደር ኣገልግሎት ኣክሰስ ይወሃብ ከምዘሎ ሓቢሮም።

እቲ ባንኪ ብሰንኪ ኲናት ተቛሪፁ ዝነበረ ኣገልግሎት ባንኪ ዲስትሪክት ሽረን መቐለን ዳግም ንምጅማር ልዑል ርብርብ ይገብር ከምዘሎ ተዛሪቦም።

እቲ ባንኪ በዝገበሮ ፃዕሪ ዘፈራት ባንኪ ንግዲ ተከዘ፣ ዓዲ ጎሹ፣ ቆራሪት፣ ማይጋባ፣ ሰቲትን ኣደባይን ኣብ ቀረባ እዋን ናብ ስራሕ ከምዝኣትዉ ገሊፆም።

እዋናዊ ሓበሬታ ንምርካብ፦

ቴሌግራም ገፅናhttps://t.e/tigrignafana

ድረ ገፅና https://www.fanabc.com/tigrigna/

ትዊተር ገፅና https://twitter.com/fanatelevision

ዩቲዩብ ቻናል FBC Tigrigna

https://www.youtube.com/…/%E1%88%B0%E1%89%A5%E1%88%B5… ይግበሩ/ራ!

ሓዱሽ መተግበሪ ፋና ብሮድካስቲንግ ኮርፖሬት

https://play.google.com/store/apps/details… ኣብ ቴሌፎኖም/ነን ብምፅዓን ቀጥታ ፈነወ ቴሌቪዥን፣ ኤፍኤም 98.1ን ብሄራዊ ራዲዮን ይከታተሉ/ላ። ተንቀሳቐስቲ ምስልታት እውን ይከታተሉ/ላ።

 

 

You might also like

Leave A Reply

Your email address will not be published.